16 ጉንቦት 2021
Source: BBC News Tigrinya
ብ14 ጥቅምቲ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ፡ ብፈረንጂ ድማ 04 ሕዳር፡ ዘጋጠመ ግጭት ክልል ትግራይ ሻብዓይ ወርሑ ሒዙ ኣሎ። ቀዳማይ ምኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሰራዊት ፈደራል ንከተማ መቐለ ምስተቖጻጸረ እቲ ኩናት ከምዝተወደአ እኳ እንተሓበረ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እቲ ክልል ግና ገና ኵናት ይቕጽል ከምዘሎን ልዑል ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘኸተለን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብቲ ብመስሕብ በጻሕቲ ዝልለ ጎቦታት ገርዓልታ፡ ኣብ ከባቢ ሓውዜን ተደጋገሚ ኵናት ከምዝተኻየደን፡ ካብ 25 ሚያዝያ ኣትሒዙ ኣብ ሰለስተ ግንባራት ውግእ ከምዝነበረን ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኮሎኔል ጌትነት ግን፡ ሰራዊት ፈደራል ኣብቲ ከባቢ ተፍትሽ የካይድ ከምዘሎን ምንም ጉድኣት ከምዘይወረዶን፡ ህወሓት ከኣ ንፕሮፖጋንዳ እንተዘይኮይኑ ኵናት ክገጥም ዘኽእሎ ዓቕሚ ከምዘይብሉ፡ እቲ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ከኣ ሓሶት ምዃኑ ሓቢሩ።
ግዳያት ደብዳብ ከቢድ ብረት ኣብ ሓውዜን
ሃብቶም ዝተባህለ ነባሪ ሓውዜን እውን ብ14 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ክልል ትግራይ ጎንጺ ካብ ዝጅምር፡ ኣብታ ከተማ ብውሑዱ ንሻድሻይ ግዜ ኵናት ምክያዱን ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱን ይዛረብ።
ብ29 ሚያዝያ ናብ ከተማ ሓውዜን ካብ ዝተተኮሰ ከቢድ ብረት፡ ሓንቲ ቦምባ፡ ኣብ ቀበሌ 02 ዝርከብ መንበሪ ቤት ኣቶ ብሩ በላዩ፡ ሸውዓተ ሕጻናት ተዓቚቦሙላ ኣብ ዝነበሩ ክፍሊ ዓሊባ፡ ክልተ ካብኦም ሽዑ ንሽዑ ከምዝሞቱ መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም።
ካብቲ ከባቢ ዝበጽሓና ተንቀሳቓሲ ምስሊ [ቪድዮ] መረዳእታ፡ ነቲ ዝዓነወ ገዛን እቶም ሕጻናት ተፋሒሮም ክውጽኡ እንከለውን የርኢ።
ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ሕጻናት ናብ ሆስፒታል ዓይደር ንመቐለ ዘብጽሐቶም፡ ቢቢሲ ዘዘራረባ ግደይ እትበሃል ኣደ ከኣ ነቲ ኩነታት ብኸምዚ ዝስዕብ ትዝክሮ።
“ብ16 [ሚያዝያ] ደብዳብ ከቢድ ብረት ነይሩ። እዚ ናይ 29 ሚያዝያ ግን ዝኸፍአ እዩ ነይሩ። ሓደ ቦምባ ኣብ ጥቓ መጥሓን እኽሊ መረስዒት፡ ኣብ ቀበሌ 02 ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤት ኣቶ ብሩ ዓሊቡ። እቲ ደብዳብ ምስ ጀመረ ቖልዑ ጎረባብቲ ፈሪሖም ኣብ ሓደ ክፍሊ ተኣኪቦም ነይሮም። እቲ ገዛ ከምዘለዎ ፈሪሱ። እቲ ዚንጎ ሓመድን እምንን ክትፈልዮ ክሳብ ዘጸግም ተሓዋዊሱ። ኣርባዕተ ቖልዑ ተፋሒሮም ወጺኦም። እቶም ክልተ ግን ንእለቱ ሞይቶም። እቶም ክልተ ናብ ቤተ ክርስትያን ክውሰዱ እንከለው፡ ኣነ ከኣ ነቶም ኣርባዕተ ቖልዑ ሒዘ ናብ ሕክምና መቐለ መጺአ።
እተን ኣደ ቖልዑ ኣብ ካልእ ክፍሊ እየን ነይረን። እቲ ዓበይቲ ዝነበረኦ ክፍሊ ደሓን እዩ ኣይተሃስየን።
“ሰዓት ሸሞንተ [ናይ ቀትሪ] ከቢድ ድምጺ ተሰሚዑ። ኣውያት ምስ ኮነ ህዝቢ እቲ ከባቢ መጺኡ ነቶም ቖልዑ ፍሒሩ ኣውጺኡዎም። እቶም ዝሞቱ ክልተ፡ ሳምራዊት ገረዝግሄርን ናትናኤልን ይበሃሉ። ክልቲኦም ደቂ ክልተ ዓመት ሕጻናት እዮም። እቶም ድሒኖም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ከኣ ካብ ደቂ 7-12 ዓመት ዕድመ እዮም። ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ብረት ቅድሚ ምውዳቑ ኣብታ ከተማ ምንም ነገር ኣይነበረን። ብሸነኽ መጋብን ድጉምን ግን ብርሕቀት ድምጺ ኵናት ይስማዕ ነይሩ።
“ብ16 ሚያዝያ፡ ንኽልተ መዓልቲ ናይ ከቢድ ብረት ደብዳብ ነይሩ። ንሱ ግን ፍኹስ ዝበለ እዩ ነይሩ። ካብ ቤትና ኣይሃደምናን። ሽዑ እውን ንግስቲ ተስፋይ እትበሃል ኣደ ቖልዓ ሞይታ፤ ወዲ ሽዱሸተ ወርሒ ውላዳ ድሒኑ። ኣጸቢቐ እየ ዝፈልጣ።
ካልኦት’ከ እንታይ ይብሉ?
[ወለዲ እቶም ዝሞቱ ቖልዑ ኣብ ከቢድ ሓዘን ስለዘለው ብዛዕባ እቲ ኩነታት ክዛረቡ ኣይከኣሉን።]
ኣቶ ገብረጅወርግስ፡ ኣቦ እተን ብህይወት ዝተረፋ ክልተ ደቀንስትዮ ቖልዑ እዩ። እቲ ኩነታት ከጋጥም እንከሎ ኣብቲ ዓዲ ከምዝነበረ ይዛረብ። ብንግዲ ዝመሓደር ኣቶ ገብረጅወርግስ፡ ኣቦ ኣርባዕተ ቖልዑ እዩ። ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብታ ከተማ ምንም ዓይነት ምንቅስቓስ ስለዘይነበረ ንጸገም ከምዝተቓልዐ ይዛረብ።
ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ወርሒ ሓንሳብ ጥራሕ ረድኤት ከምዝረኸቡ ይዝክር።
” እዚ ዘሎ ኩነታት ክትገልጾ ከቢድ እዩ። ሰላም የለን ስራሕ እውን የሎን” ይብል።
ሕጂ ኣብ ደቁ ዝወረደ ጉድኣት ግን ኣዝዩ ኣሰንቢዱዎ ኣሎ። ብፍላይ እታ ሓንቲ ቐልዓ ከቢድ መስበርቲ እዩ ኣጋጢሙዋ።
ዶክተር ተኽለብርሃን [ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ናይ ካልኣይ ዓመት ተማሃራይ ሕክምና እዩ] ካብቶም ኣርባዕተ ሕጻናት ነቶም ሰለስተ ረድኤት ዝሃበ በዓል ሞያ ኮይኑ እቶም ሕጻናት መስበርትን መቑሰልትን ከምዘጋጠሞም ይዛረብ።
“ካብቲ ብኸቢድ ብረት ተሃሪሙ ዝፈረሰ ገዛ፡ ተፋሒሮም ከምዝወጽኡ ኢና ተነጊርና። እቲ ዝፈራረሰ አእማን እውን ሃስዩዎም ክኸውን ይኽእል እዩ ኢልና ንሓስብ” ኢሉ።
ንጓል ኣቶ ገብረጅወርግስ ዩርካዲን፡ ከቢድ መስበርቲ እግሪ ስለዘጋጠማ ጀሶ ከምዝገበረላ ከኣ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

[ኣብቲ ገጠራት፡ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዝወደቐ ቦምባ ከቢድ ብረት እኳ እንተነበረ ዘኸተሎ ጉድኣት ግን ኣይተፈልጠን።]
ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ዳይረክተር ርክብ ህዝቢ ኮሎኔል ጌትነት አዳነ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከተማ ሓውዜንን ከባቢኡን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝወረደ ጉድኣት ሓቲትናዮም ከምዚ ዝስዕብ ምላሽ ሂቦም።
” እቲ ብግብረ ሽበራ ተሰዩሙ ዘሎ ወገን [ህወሓት] ከቢድ ብረት የብሉን። እቲ ከቢድ ብረት ኣብ ኢድና፡ ኣብ ኢድ ምክልኻል እዩ ዘሎ። [እቲ ሰራዊት] ኣስተኻኺሉ ናበይ ከምዝትኩሶ ይፈልጥ እዩ። ዘበናዊ ሰራዊት እዩ። ናብ ኣባይቲ ገባሮ ዝትኮስ ኣይኮነን።
“ከምዚ ዓይነት ጌጋታት ዝፍጸም ኣብ ከተማ ምንቅስቓስ ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ። ከምኡ ኮይኑ እውን ናይ ከተማ ናይ ውግእ ስልቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ጥበብ ኣለዎ። ብደብዳብ ከቢድ ብረት ናይ ውልቀ ሰብ ቤት ፈሪሱ ዝብል ዘረባ ጌጋ እዩ። ከምኡ ከጋጥም ዝኽእል ኣዝዩ ጸቢብ ዕድል እዩ ዘሎ። ዘጋጠመ ጉድኣት እንተልዩ፡ ክጻረን ንመጻኢ ከኣ ተራእዩ ክእረምን ይኽእል እዩ። ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ሓበሬታ ግን ብኸቢድ ብረት ሰራዊት ምክልኻል ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ኣጋጢሙ ዝብል ሓበሬታ ፈጺሙ የሎን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እዚ ውግእ ዝተኻየደሉ ጥበብ ኣዝዩ ጥንቁቕ ስለዝነበረ እዩ” ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ናይ 17 ሚያዝያን 28 መጋቢትን ግፍዒ
ግደይ፡ ብ17 ሚያዝያ ወተሃደራት ተኲሶም ዝቐተሉዎም ናይ ሓደ ሰላማዊ ስድራ ኣባላት ከምእትፈልጥ ትዛረብ። እቶም ዝተቐትሉ ኣቦ ምስ ክልተ ደቁ ኮይኖም፡ እቲ ካልኣይ ወዱ፡ ግን ቅድም ኢሉ ብሚያዝያ 7 እዩ ተቐቲሉ።
“ናይ ዝሓለፈ ከይኣክል ብዙሕ ግፍዒ ይወርደና ኣሎ” እትብል ግደይ፡ ብ28 መጋቢት ድማ፡ ክልተ ናይ ቀረባ ኣዝማዳ ዝርከቡዎም ኣርባዕተ ነበርቲ ገጠር ኣብታ ከተማ ከምዝቐበረት ሓቢራ።
“ነበርቲ ጣብያ ማይ ካዶ እዮም። . . . ሰንበት መጋቢት 26 ኣብ ሓውዜን ተቐቲሎም፤ ሬሰኦም ድሕሪ ክልተ መዓልታት ኣልዒልናዮ። ንሳቶም ባዕላቶም [እቶም ወተሃደራት] እዮም ጸዊዖም ‘ኣብዚ ቦታ ሬሳ ኣለኩም ኣልዕልዎ’ ኢሎሙና። ካብኡ ኬድና ኣልዒልናዮ” ትብል።
ንሳ፤ ሰለማውያን ሰባት ዝቕተልሉ ምኽንያት ኣይትፈልጥን ግን ግምታ ተቕምጥ። “[እቶም ወተሃደራት] ኣብ ኵናት ውዒሎም ምስ መጽኡ ሓሪቖም ዝፍጽምዎ ነገር ኮይኑ እዩ ዝስመዓና። ሓሪቖም ይመጽኡ እሞ ሕርቃኖም ኣብ ሰላማውያን ሰባት የውዕሉዎ። ‘ጁንታ’ ኢኻ እዮም ዝብሉ” ትብል ግደይ።
ወዲ 49 ዓመት ግርማይ ዝተባህለ ሓረስታይ፡ ነባሪ እቲ ገጠር ድማ ንስክላ [ንሕንጢጥ] ካብ ሞት ዝደሓነ፤ ብዝሒ ደም ከምዘለዎን መድሃኒት ከምዝወስድን ይዛረብ።
‘ሓደ ክልተ ሳዕ ክቐትሉኒ ሓሲቦም ኔሮም’ ኢሉ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ብዕለተ ሰንበት 17 ሚያዝያ ንዝክር/ጸበል ዝተጾምቀ ክልተ ገንኢ ስዋ እቶም ወተሃደራት መጺኦም ሰትዮሞ ከይዶም።
“ነቲ ስዋ ሰትዮም ክኸዱ እንከለው ግን፡ ‘ንጁንታ ኢልካ ዲኻ ጸሚቕካዮ ኔርካ’ ኢሎም ክቐትሉኒ ብረት ኣቀባቢሎም ኔሮም” ይብል።
ኣብ ድርኡ፡ ብ16 ሚያዝያ ኣብቲ ከባቢ ውዒሉ ዝሓደረ ብርቱዕ ኵናት ስለዝነበረ ምስ ድርኡ ፈሪሖም ካብ ቤቶም ከምዘይወጽኡ ይዛረብ።
“ንግሆ ተንሲኦም ‘መን እዩ ክዋግአና ሓዲሩ’ ኢሎም ሓቲቶሙና። ኣነ ካብ ገዛይ ኣይወጻእኩን ኣይረኣኹን’ ምስበልኩዎም ኣይኣመኑንን” ኢሉ።
” እቲ ዓቢ ነገር ብህይወት ምትራፈይ እዩ” ዝብል ግርማይ፡ እተን ደቀንስትዮ ወተሃደራት፡ ናይ ጓሉ ወርቅን ናይ በዓልቲ ቤቱ ገንዘብን ልብስን፡ ብምሉኡ ሽልማታ፡ ከምዝወሰደኦ ይዛረብ።
እታ ሓንቲ ጓሉ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝተመርዓወትን ብፍርሒ ኣቑሑታ ጠርኒፋ ናብ መቐለ ክትሃድም እናሓሰበት እንከላ እቲ ነገር ከምዘጋጠመ ይዛረብ።
ኣብቲ ዕለት ካልኦት ዝተቐትሉ ሰላማዋያን ሰባት ከምዝነበሩ፡ ካብ መንጎኦም፡ ብዛዕባ እቶም [ኣቦ ምስ ክልተ ደቁ ሰለስተ ርእሶም] ካብ ሓደ ስድራ ዝተቐትሉ ከምዝርከብዎም ይዛረብ።
———
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ምክልኻል ሰራዊት፡ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ግን፡ “ከምዚ ዓይነት ስሕተት ብፍጹም ተኣማንነት ከምዘይብሉ” ብምግላጽ፡ እቲ ሰራዊት ካብ ኣብራኽ ሓረስታይ ዝወጽአ ህዝባዊ ምዃኑን እዩ ዝዛረብ።
” እቲ ሰራዊት፡ ሓደ ወገን ኣብ ስልጣን ክጸንሕ እንከሎ ህዝባዊ፤ ካልእ ሰብ ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ ከኣ ቀታሊ ክኸውን ኣይተሃንጸን። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብህዝባውነቱ እዩ ዝፍለጥ።
“ናይ ጁንታ ፕሮፖጋንዳ እዩ ዝኸውን እምበር እቲ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከምዚ ዓይነት ጭካነ ዝፍጽመሉ ምኽንያት የለን” ክብል ተዛሪቡ።
ንግዚኡ ብዛዕባ እቶም ተቐቲሎም ዝበሃሉ ሰላማውያን ሰባት ምንም ሓበሬታ ከምዘይብሉ፡ ንመጻኢ ግን ከምኡ ዓይነት ተግባር ተፈጺሙ እንተኾይኑ ከምዝጻረን እቶም ፈጸምቲ ዝበሃሉ ገበነኛታት ኮይኖም እንተተረኺቦም ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ከምዝሕተቱን ተዛሪቡ።
ብዛዕባ’ቲ ውግእ’ከ ነበርቲእንታይ ይብሉ?
ኣብቲ ከባቢ ብሕርሻ ዝነባበር ገ/መድህን፡ ብ29 ሚያዝያ ድጉም ኣብ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ፡ ብዙሕ ወተሃደር ከምዝረኣየ ይዛረብ።
እቶም ወተሃደራት ናብቲ ከባቢ ሃንደበት ብምምጽኦም እቲ ህዝቢ ፈሪሑ ከምዝነበረን ግን ምንም ጉድኣት ከይገበሩ ከምዝሓለፉን ይዛረብ።
እቶም ወተሃደራት ኣብ ጉልሻ ወሪዶም፡ ንድጉም ሓሊፎም መጋብ ናብ ዝተባህለት ከተማ ብእግሮም እናኸዱ ፋሕላ ወይ ከኣ ጉደለ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ፡ ኣብ ሓደ ዓᎁቕ ሩባ ናይ ትግራይ ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣድብዮም ጸኒሖም መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱሎም ይዛረብ።
“ኣብ እግሪ እምባ ጉልሻ እየ ነይረ። ፋሕላ ኣብ ዝበሃል ኣከባቢ እዮም ኣድብዮም ጸኒሖሞም። ናብቲ ዓሟቕ ሩባ ምስ ወረዱ ኣጥቂዖሞም። ውግእ ተገይሩ። ካብኦም እቶም ዝተረፉ ናብ ዓብዩ ዓዲ [ውቅሮ ገጾም]ተመሊሶም” ይብል።
ኣብ መገዲ ዝነበራ ብዙሓት መካይን ከኣ ሓደጋ ከይወረደን ኣማስየአን ናብ ውቕሮ ተመሊሰን።
” እተን መካይን ብዙሓት እየን ነይረን። ካብ ሰላሳ ክሳብ ኣርብዓ ይኾና። ኣርባዕተ መዳፍዕ፡ ክልተ ካልኦት ከኣ ከቢድ መሳርሒ ዝጸዓና ነይረን። እተን ዝተረፋ ከኣ ኦራላትን ካልእ መካይንን ነይረን” ኢሉ።
ንግሆ 30 ሚያዝያ ናይ ትግራይ ተጋደልቲ ሓይልታት መጺኦም፡ ተፍትሽ ኣካይዶም ነቶም ነበርቲ፡ ነቲ ሬሳታት ንኪቐብሩዎ ኣዚዞም ከምዝኸዱን ይዛረብ። ካብኡ ብኣንጻር እቶም ካልኦት ዝኸዱሉ ቦታ፡ ናብ ሸነኽ ሓውዜን ከምዝተንቀሳቐሱ ይሕብር።
ኣብ እዋን እቲ ውግእ፡ ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ናብ ርሕቕ ዝበሉ ከባቢታት ከምዝሃደሙ ገ/መድህን ይዛረብ። ዝተረፈ ከኣ ናብቲ ጎቦታት ብምውጻእ ኣብ በዓቲ ተሓቢኡ አሕሊፉዎ ይብል።
ኣቐዲሙ እውን ኣብ በዓቲ ዓዃር ኣብ ዝተባህለ ኣከባቢ[ዝባን ገርዓልታ] ውግእ ከምዝነበረ ይዝረብ።
“እቲ ህዝቢ ኣጋር ሰራዊት ክርኢ እንከሎ ይሰግእ’ዩ። ዋላ እውን ኵናት ኣይሃሉ ገጽ ንገጽ ክርእዮም ኣይደልን። ብቕልጡፍ እዩ ዝሃድም።”
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
ካብ 25 ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ ሰለስተ ግንባራት ኵናት ከምዝተኻየደ ይዝረብ። እቲ ሓደ ኣብ መንጎ ተምቤንን ሓውዜንን ኣብ እትርከብ ቆራሮ ኣብ እትበሃል ገጠር፡ ኣብ መንጎ መጋብን ኣዛዝን ከምኡ እውን ካብ ከተማ ውቕሮ ናብ ሓውዜን ኣብ ዝወስድ ሓዲሽ መገዲ ኣብ ፋሕላ [ጥቓ ድጉም] ዝተባህለት ገጠር ዓዲ እዩ።
ወሃቢ ቃል ‘ሰራዊት ሓይልታት ትግራይ’ [TDF] ተጋዳላይ ገብረ ገብረጻድቕ፡ ናብ ህወሓት ቅርበት ብዘለዎ ድምጺ ወያነ ፈይስ-ቡክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ሰለስቲኡ ግንባራት ብጠቕላላ 1896 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ናይ ኤርትራ ወተሃደራትን ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 1800 ከምዝቖሰሉን ከምዝተማረኹን ሓቢሩ።
ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኮሎኔል ጌትነት ግን፡ እቲ ሰራዊት ኣብቲ ከባቢ ተፍትሽ የካይድ ከምዘሎ፡ እንተኾነ ግን ዝኾነ ይኹን ጉድኣት ከምዘየጋጠሞ፡ እቲ ብህወሓት ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
‘ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ከባቢ ገረዓልታ ኵናት ነይሩ’ዶ? ኣብ ሰራዊት [ፈደራል]ከ ዝበጽሐ ጉድኣት ኣሎ ድዩ?’ ንዝብል ብቢቢሲ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡-
“እወ። ግን ከመይ መሲሉካ – ምንቅስቓስ ኣሎ። ተንቀሳቐስቲ ስለዝኾኑ፡ ብኣጋርን ካልእን እናተኸታተልካ፡ ሓበሬታ እናረኸብካ ትሃድኖን ትሃርሞን ስለዝኾነ፡ ኣብ ክልተ ሰለስተ ቦታታት ናይ ቀሪም ስራሓት ይካየድ እዩ። ነቲ ኣጋር ምህዳን ጥራሕ ዘይኮነ ነቶም ቀንዲ [ሰባት] ንምሓዝ ኣብ ኩሉ ቦታ ዝግበር ምንቅስቓስ ኣሎ” ብማለት ዝተማልአ ሓበሬታ ከምዝወሃቦ እዩ ሓቢሩ።
ብዛዕባ እቲ ብህወሓት ዝተዋህበ መግለጺ ብዝምልከት ግን፡ “ንሳቶም ዘይቀተሉዎ ነገር እንታይ ኣሎ፤ እቲ ንሳቶም ቀቲልናዮ ዝብሉዎ ሓቂ እንተዝነብር ኣብዚ እዋን እዚ ኢትዮጵያ ሰራዊት ኣይምነበራን” ብማለት ሓሶት ምዃኑን፡ እቲ ውድብ ኣብ ካልእ ኣከባቢ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሑመራ ንዘጋጥሞ ዘሎ ጉድኣት ንምሽፋን [ዝብሎ ዘሎ] ምዃኑን ተዛሪቡ።
ብምቕጻል ” ህወሓት ኣብዚ እዋን እዚ ሰራዊት ሒዙ ንሓይሊ ምክልኻል ደምሲሱ ዝስጉመሉ ዓቕሚ የብሉን። እቲ ሓቂ ከምኡ እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ነገር ናይ ኣተሓባባእ ጸወታ እዩ። ምሕባእ ንሓለፍቲ ምኽዋል ብዝተፈላለየ ነገር ኣመሳሲሉ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ እንተዘይኮይኑ [ካልእ ዓቕሚ የብሉን]።
” እንተወሓደ እኳ ተኣማንነት ንክህልዎ፡ ኣድቢና ሃሪምና እንተዝብሉ ምሓሸ። [ምኽንያቱ] ድብያ ውልቀ ሰባት እውን ክገብሩዎ ስለዝኽእሉ። ውግእ ገጢሙ ዝደፍእ ሓይሊ ኣሎ ተባሂሉ ዝዝረብ ነገር ግን ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ እዩ” ኢሉ።
Source: BBC News Tigrinya
